Proud Eritrewit (@eritrewit) profile picture
Joined September 2022
Proud Eritrewit retweeted
nitter.cf/SolomonHaileso1/status… 👆 Fix this first, you are corrupt mutli billionaire. Assab has nothing to do with this.
3
39
3
46
1,126
Good read: #UNICEF needs $401.5 million to reach around 8.9 million people in #Ethiopia in 2026, including 6.3 million children. Yet as of June, only 19% of that requirement had been met, leaving an 81% funding gap. barazabrief.com/2026/10/who-… – at Eritrea
29
90
2
105
2,104
ዓንቀጽ2 ቅዋም ኢትዮጵያ፦ ‘ቀይሕ ባሕሪ ኣይብጻሓንን እዩ’! ሳሙኤል ገብረብርሃን ክኢላ ሕጊ ኣብ መድረኽ ዓለምለኻዊ ፖለቲካ፡ ሓደ መንግስቲ ናይ ገዛእ-ርእሱ ውሽጣዊ ቅልውላዋት ንምሽፋን ናይ ወራር ነጋሪት ክሃርምን ናብ ልኡላዊ ገማግም ጎረባብቱ ኣዒንቱ ከቋምትን ከሎ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ጥሕሰት ዓለምለኻዊ ሕግታትን ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ጥራይ እዩ ዝዝረበሉ። ይኹን እምበር፡ ሎሚ ካብ ኣዲስ ኣበባ ብመራሕቲ ብልጽግና ዝስማዕ ዘሎ “ቀይሕ ባሕሪ እንተ ብውዲ እንተ ብግዲ ክንወስዶ ኢና” ዝብል ናይ ኲናት ዕንደራ፡ ቅድሚ ናብ ኣደባባይ ዓለም ምውጽኡ፡ ባዕሉ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝለዓለ ሕጊ ተባሂሉ ዝእመነሉ ‘ቅዋም’ ብግህዶ ዝጥሕስ ስነ-ሞራላውን ሕጋውን ክሳራ እዩ። እዚ ናይ ፖለቲካ ላግጺ’ዚ፡ እቲ ስርዓት ኣብ ዘይወጾ ናይ ሕጊ መፈንጠራ ከም እተሸኸለ የረጋግጽ። ብዙሓት ሰባት ዘየስተውዕሉዎ ዓቢ ሕጋዊ ሓቂ ድማ፡ እቲ መራሒ ስልጣኑ ንምዕቃብ ክብል ዘስምዖ ዘሎ ናይ ባሕሪ ፈኸራ፡ ንኤርትራ ዘይኮነስ፡ ቅድም ቀዳድም ነቲ ንሱ ባዕሉ ዝመሓለሉ ናይ ገዛእ-ርእሱ ቅዋም ብኢዱ ከም ምቕዳድ ዝቑጸር ቅዋማዊ ጥልመት ምዃኑ እዩ። ቅዋም ፈደራላዊት ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ (ኢፈዲሪ)፡ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፉ፡ ኣብ ዓንቀጽ 2፡ ብንጹርን ብዘየወላውልን ቋንቋ፡ ናይታ ሃገር ግዝኣታዊ ወሰን ብንጹር ኣቐሚጡዎ ኣሎ። እቲ ዓንቀጽ ከምዚ ይእውጅ፦ “ናይ ኢትዮጵያ ግዝኣታዊ ወሰን፡ ንግዝኣት ናይተን ኣባላት ፈደረሽን ዝኾና ክልላትን ነቲ ብዓለም ለኻዊ ውዕላት ዝተወሰነ ናይ ኢትዮጵያ ዶብን ዝሓቖፈ እዩ።” እዚ ድንጋገ’ዚ ንዝኾነ ብቕኑዕ ሕጋዊ ሚዛን ዝምርምር ሰብ ቁልጭ ዝበለ መልሲ ይህብ። ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝርከባ ኣባላት ፈደረሽን ዝኾና ክልላት ኩለን፡ ፈጺመን ናብ ቀይሕ ባሕሪ ዝበጽሕ ወይ ገምገም ባሕሪ ዘለወን ኣይኮናን። ካልኣይ፡ እቲ ቅዋም “ብዓለምለኻዊ ውዕላት ዝተወሰነ ዶብ” ኢሉ ብወግዒ ይእመን። እዚ ማለት፡ ኢትዮጵያ ከም ሃገር ዘለዋ ናይ መሬት ይኹን ናይ ዶብ ደረት፡ ኣብቶም ምስ ጎረባብታ ዝተኸተሙ ዓለምለኻውያን ውዕላት ዝተሓጽረ ምዃኑ እዩ ብንጹር ዝገልጽ። ስለዚ ካብኡ ወጻኢ ሓንቲ ስድሪ መሬት ወይ ሓንቲ ጠብታ ባሕሪ ናይ ምጥላብ ቅዋማዊ መሰረት የብላን። እዚ ድንጋገ’ዚ ንባዕሉ፡ ኢትዮጵያ ወደብ-ኣልቦ ሃገር ምዃና፡ ባዕላ ዝፈረመትሉ ናይ ገዛእ-ርእሳ ናይ መወዳእታ ሕጋዊ መደምደምታ እዩ። እዚ ኣብ ዓንቀጽ 2 ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወግዒ ሰፊሩ ዘሎ “ብዓለምለኻዊ ውዕላት ዝተወሰነ ዶብ” ዝብል መትከል፡ ምስቲ ብሰነዳት ዝተረጋገጸ ታሪኻዊ ሓቅታት ውዕላት ዶብ ብቐጥታ ዝተኣሳሰር እዩ። እቶም ውዕላት፡ ሃጸይ ምነሊክ ባዕሉ ብኢዱ ዝኸተሞም ናይ 1900፡ 1902 ከምኡ’ውን 1908 ናይ ዶብ ውዕላት እዮም። ሃጸይ ሃይለስላሰ ኣብ 1964 ኣብ ካይሮ ደው ኢሉ “መግዛእታዊ ዶባት ንዘለኣለም ዘይድፈሩ ክኾኑ ኣለዎም” ኢሉ ብውሳነ AHG/ Res. 16 (1) ዘጽደቖ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ሕጊ’ውን ነዚ ዓንቀጽ’ዚ ዝድግፍ እዩ። ካብኡ ሓሊፉ፡ እቲ ብ12 ታሕሳስ 2000 ዝተኸተመ ውዕል ኣልጀርስን ብመሰረቱ ብ13 ሚያዝያ 2002 ዝተበየነ ናይ ኮሚሽን ዶብ (EEBC) ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን፡ ነዚ ቅዋማዊ ዓንቀጽ’ዚ ብዓለምለኻዊ ማሕተም ዓጽዩዎ ይርከብ። ኢትዮጵያ ብ1993 (ድሕሪ ረፈረንዱም - 4 ግንቦት 1993) ንናጽነት ኤርትራ ብወግዓዊ ኣዋጅ ምሉእ ኣፍልጦ ሂባ ዝደምደመት ሃገር እያ። ስለዚ፡ ሓደ ስልጣን ዝጨበጠ ዘይብሱል መራሒ ሎሚ ተንሲኡ “ቀይሕ ባሕሪ ናይ ኢትዮጵያ እዩ” ክብል እንከሎ፡ ንልኡላውነት ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ዝዳፈር ዘሎ፤ እንተላይ ነቲ ኣብ ሕገ- መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓንቀጽ 2 ሰፊሩ ዘሎ ሕጊ እዩ ዝጥሕሶ ዘሎ። እቲ ብ16 መስከረም 2018 ኣብ ጅዳ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም፡ ነዚ ቅዋማዊ ድንጋገ’ዚ ኣብ ቅድሚ ዓለም ናይ መወዳእታ መዕጸዊ ማሕተም ዝገበረሉ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ናይ ምፍራም ስነ-ስርዓት፡ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስ፣ ዋና ጸሓፊ ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ፣ ንጉስ ስዑዲ ዓረብ ቢን ዓብደል ዓዚዝ፣ ወራስ ዓራት ንግስነት ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማን፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሸኽ ዓብዱላሂ ቢን ዛይድ ኣናህያን ብኣካል ተቐሚጦም መስኪሮምሉ እዮም። እቲ ውዕል ኣብ ሕቡራት ሃገራት (UN Depositary) ተመዝጊቡ ዝጸደቐ ዓለምለኻዊ ሰነድ እዩ። ኣብቲ ውዕል፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነቲ ናይ 2002 ናይ ሄግ ናይ ዶብ ውሳነ (EEBC) ብዘይ ቅድመ- ኩነት ከም ዘኽብሮ ብኢዱ ፈሪሙ ወጺኡ እዩ። ስለዚ፡ እቲ ኣብ ቅዋም ኢትዮጵያ ዓንቀጽ 2 ዘሎ “ዓለምለኻዊ ውዕላት” ዝብል ቅዋማዊ ትእዛዝ፡ ኣብ ጅዳ ብወግዒ ተሓዲሱ ኣብ ቅድሚ ሕቡራት ሃገራት ዝተዓጽወ እዩ። ሎሚ ተመሊስካ ናይ ባሕሪ ፈኸራ ምስማዕ፡ ነቲ ኣብ ጅዳ ዝተኸተመ ናይ ሞት ማሕተም ብፕሮፓጋንዳ ንምትንሳእ ዝግበር ናይ ተስፋ ምቑራጽ ጫፍ ጥራይ እዩ። እቲ ዝገደደ ሕጋዊ ቅጥፈት፡ ምስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ስልጣን ክርከብ ከሎ ዝምሕሎ መሓላ መዝነት ዝተኣሳሰረ እዩ። ቅዋም ኢትዮጵያ ኣብ ዓንቀጽ 9 ንኡስ ዓንቀጽ 1፡ ቅዋም ናይታ ሃገር ዝለዓለ ሕጊ ምዃኑን ዝኾነ ይኹን ውሳነ መንግስታዊ ኣካል ምስኡ ዝጋጮ እንተኾይኑ ዋጋ ኣልቦ ምዃኑን ይድንግግ። ኣብ ንኡስ ዓንቀጽ 2 ድማ፡ ዝኾነ ዜጋ ይኹን ብዓል ስልጣን ነቲ ቅዋም ናይ ምኽባርን ናይ ምትግባርን ጽኑዕ ግዴታ ከም ዘለዎ የነጽር። ሓደ መራሒ ሃገር ስልጣኑ ክርከብ ከሎ፡ ነዚ ቅዋም’ዚ ከኽብርን ከስርሕን ኣብ ቅድሚ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢዱ ኣልዒሉ ይምሕል እዩ። እሞ ደኣ፡ እቲ ነዚ ቅዋም ከኽብር ዝመሓለ መራሒ፡ ነቲ ኣብ ዓንቀጽ 2 ብንጹር ዝተሓንጸጸ ግዝኣታዊ ወሰን ረጊጹ፡ ናይ ካልእ ልኡላዊት ሃገር ባሕርን ወደብን “ብሓይሊ ወይ ብሰላም ክወስዶ እየ” እናበለ ኣብ ቅድሚ ካሜራታት ክፍክር ከሎ፡ ነቲ ዝመሓሎ መሓላ መዝነት ብግህዶ ይጥሕሶ ከም ዘሎ ከመይ ይስወሮ፧ እዚ ተግባር’ዚ ተራ ፖለቲካዊ ጌጋ ዘይኮነስ፡ ብቐጥታ ንቅዋም ሃገሩ ዝደፍር ከቢድ ናይ ጥልመት ገበን እዩ። ኣብ መድረኻት ዓለም፡ ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ “ሃገርና ብቅዋማዊ ስርዓትን ብልዕልና ሕግን እትመሓደር ዲሞክራስያዊት ሃገር እያ” እናበሉ ናይ ምስሉይነት ዲፕሎማሲ ከካይዱ ይረአዩ እዮም። እንተኾነ ግን፡ ሓቂ ኣብ ባይታ ክምርመር ከሎ እቲ ኣካይዳ ፍጹም ምስሉይነት ዝመልኦ እዩ። ሓንቲ ሃገር ብቅዋም ትመሓደር እንተ ደኣ ኮይና፡ እቲ ቅዋም ኣብቲ ንዓኻ ዝጥዕመካ ውሽጣዊ ጉዳያት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብቲ ንግዝኣታዊ ወሰንካን ንጎረባብትኻን ዝምልከት ዓንቀጻት እውን ብማዕረ ክትግበር ግቡእ እዩ። ንናይ ገዛእ- ርእስኻ ዶባት ኣብ ዓንቀጽ 2 ሓጺርካ ኣቐሚጥካ እናሃለኻ፡ ድሌትካ ንምርዋይ ናብ ልኡላዊ መሬትን ባሕርን ካልእ ሃገር ኣዒንትኻ ምትካል፡ ቅዋማዊ ስርዓት ዘይኮነስ ናይ ጫካ ሕጊ ምኽታል ማለት እዩ። እዚ ዓይነት ናይ ዲፕሎማሲ ሸፈጥ፡ ንዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ንምድንጋር ዝግበር ፈተነ እኳ እንተ ኾነ፡ እቲ ሰነድ ባዕሉ ግን ንኹሉ ሓሶታት ዘቃልዕ ህያው መርትዖ ኮይኑ ይነብር። እቲ ዝለዓለ ሕጊ ሃገርካ ዘይፈቕዶ ናይ ምስፍሕፋሕ ሕልሚ ሒዝካ ምጉዓዝ፡ ነቲ ትካላዊ ተኣማንነትካ ኣብ ቅድሚ ዓለም ካብ ምድኻም ሓሊፉ ዘምጽኦ ፍረ የለ ን። እዚ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝስማዕ ዘሎ ናይ ሓይሊ ምፍርራሕ፡ ምስ ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ብቐጥታ ዝጋጮ እዩ። ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዓንቀጽ 2 ንኡስ ዓንቀጽ 4፡ ዝኾነት ሃገር ኣብ ልዕሊ ግዝኣታዊ ሓድነት ወይ ፖለቲካዊ ናጽነት ካልእ ሃገር ካብ ምፍርራሕ ወይ ሓይሊ ካብ ምጥቃም ክትቁጠብ ብንጹር ይእውጅ። እቲ ዘገርም ነጥቢ፡ እዚ ዓለምለኻዊ ቻርተር’ዚ ባዕሉ ኣብቲ ቅዋም ኢትዮጵያ ዓንቀጽ 9 ንኡስ ዓንቀጽ 4 ከም ኣካል ሕጊ ናይታ ሃገር ተቐቢሉዎ ኣስፊሩዎ ኣሎ። እቲ ንኡስ ዓንቀጽ ከምዚ ይብል፥ “ኢትዮጵያ ዘጽደቐቶም ዓለምለኻውያን ውዕላት ናይዚ ሃገር ሕጊ ኣካል እዮም።” ስለዚ፡ ሓደ መራሒ ናይ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ናይ ኲናት ነጋሪት ክሃርም ከሎ፡ ንቻርተር ሕቡራት ሃገራት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቲ ባዕሉ ኣብ ውሽጢ ቅዋሙ ዘእተዎ ዓለምለኻዊ ሕጊ እውን ብኢዱ ይጥሕሶ ኣሎ። እዚ ዘርእየና ሓቂ እንተሃልዩ፡ እቲ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ጠለብ ብዝኾነ ይኹን ሕጋዊ መለክዒ— ብዓለምለኻዊ ይኹን ብናይ ውሽጢ ሃገራዊ ቅዋም—ፈጺሙ ተቐባልነት ዘይብሉ፡ ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝኾነ ናይ ዕንደራ ፖለቲካ ጥራይ ምዃኑ እዩ። ልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ቀይሕ ባሕራን መሬታን፡ ብናይ ፖለቲከኛታት ድሌት ወይ ብናይ ሚድያ ጫውጫውታ ዝናወጽ ኣይኮነን። እዚ ልኡላውነት’ዚ፡ ቀዳምነት ብደምን ብረዚን መስዋእትን ናይ ኣሽሓት ጀጋኑ ደቁ ዝተሓጽረ ቅዱስ ሓቂ እዩ። ካልኣይ ድማ፡ ብዓለምለኻዊ ሕግታት፡ ብቻርተር ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝተረጋገጸ ዘይድፈር ስርዓት እዩ። ሳልሳይን እቲ ኣዝዩ ዘገርምን ሓቂ ግን፡ እዚ ልኡላውነት’ዚ ባዕሉ በቲ ናይ ኢትዮጵያ ሕገ-መንግስቲ ዓንቀጽ 2 ብንጹር ዝተመስከረሉ ምዃኑ እዩ! ኢትዮጵያ ብቅዋማ ኣቢላ ዶባታ ብዓለምለኻዊ ውዕላት ዝተወሰነ ምዃኑ ተኣሚና እያ። እቶም ውዕላት ድማ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ኤርትራ ጥራይ ምዃኑ ኣረጋጊጾም ወዲኦም እዮም። ስለዚ፡ ኤርትራ ንልኡላውነታ ደው ክትብል ከላ፡ ንገዛእ ርእሳ ጥራይ ዘይኮነት ትጣበቕ ዘላ፤ ንልዕልና ዓለምለኻዊ ሕጊ፡ ንቅዱስ ዶባት ኣፍሪቃ፡ ንሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከይተረፈ እዩ። ዝያዳ ከኣ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ጽኑዕ ሓቂ እያ እተኽብር ዘላ። ማንም ሓይሊ ብፈኸራ ወይ ብሓይሊ ክወስዶ ዝኽእል ሓንቲ ንጣብ ማይ ወይ ሓንቲ ስድሪ መሬት ከም ዘየለ ድማ ታሪኽ ዝመስከሮ ዘይዕጸፍ ሓቂ ኮይኑ ይነብር። ብጥቕሉሉ’ምበኣር፡ ፍትሒ ሓንቲ እያ፤ ሓቂ ድማ ብናይ ሓሶት ፕሮፓጋንዳ ኣይትዕገትን። ኣብ መንጎ ልዕልና ሕግን ናይ ሓይሊ ምፍርራሕን ዝቕመጥ ማእከላይ መርገጺ ፈጺሙ የለን። እቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝስማዕ ዘሎ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ወራር ፈኸራ፡ ንኤርትራ ዘይኮነስ፡ ንናይ ገዛእ-ርእስኻ ቅዋም ዓንቀጽ 2 ብኢድካ ምፍራስ፡ ነቲ ዝተመሓለ መሓላ መዝነት ምጥላምን ንሃገርካ ናብ ዓለምለኻዊ ገበን ምምራሕን ጥራይ እዩ ትርጉሙ። ኢትዮጵያ ብቅዋም እትመሓደር ሃገር እንተ ኾይና፡ ቀዳማይ መርኣያ ናይቲ ቅዋማዊ ክብሪ ነቲ ኣብ ዓንቀጽ 2 ዝተነጸረ ዶባትካ ምኽባርን ንልኡላውነት ጎረባብትኻ ምእማንን እዩ። ዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ድማ ነዚ ግሁድ ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ሕጋዊ ጥሕሰት ብንጹር ክርእዮን ክኹንኖን ደው ከብሎን ናይ ግድን ይኸውን። ልኡላውነት ኤርትራ ብደም ሰማእታት ዝተነድቀ፡ ብዓለምለኻዊ ሕጊ ዝተዓጽወ፡ ብ‘ቅዋም’ ኢትዮጵያ እውን ከይተረፈ ዝተመስከረሉ ዘይዕጸፍ ናይ ዘለኣለም ሓቂ እዩ! ልዕልና ሕጊ ይንግስ፡ ዓመጽ ይሰበር፡ ልኡላውነት ቀይሕ ባሕሪ ድማ ንዘለኣለም ብኽብረት ይተሓሎ! #Eritrea
26
2
32
895
“ዕላማና፡ ኤርትራ ብኤርትራውያን ምስ ፊልም ዓለም ክትላለ’ዩ ነይሩ” ሰኣላይ ፍራንኮ ሳርዴላ ፍራንኮ ሳርዴላ ይበሃል። ካብ ኤርትራዊት ኣደን ኢጣልያዊ ኣቦን ኣብ 1962 ኣብ ከተማ ከረን ተወሊዱ። ኣቦኡ ወተሃደር ጣልያን ነበረ። ኣቦኡ ድሕሪ ምስዓር ጥልያን ኣብ ኤርትራ ንነዊሕ ዓመታት ስለ ዝተቐመጠ፡ ምስቲ ዝነበሮ ሓያል ፍቕሪ ህዝቢ ኤርትራ፡ ምስ ሞተ፡ ኣብ’ዚ ሃገር ተቐብረ። እቲ ፍቕሪ ድማ ናብ ውላዱ ሰገረ። ፍራንኮ ሳርዴላ ጉዕዞ ትምህርቱ ኣብ ዓዲ ጣልያን ጀሚሩ ምስ ዛዘመ፡ ኣብ ምንቅስቓስ መንእሰያት ተመሃሮን ኣባል ሓፋሽ ውድባትን ኣብ ድያስፖራ ከምኡ ድማ፡ ኣብ ቦሎኛ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ብንጥፈት እጃሙ ኣበርኪቱ። ድሕሪ ናጽነት ድማ፡ ናብ ሃገሩ ብምምላስ ብሲነማቶግራፊ ብዙሓትን ዓበይትን ንባህልን ታሪኽን ኤርትራ ዝገልጻ ፊልምታት ዝሰኣለ ምኩርን ገዲምን ሰኣላይ እዩ። ኣብ እዚ እዋን እዚ ግዳ፡ ካብ እቲ ስራሕ ቁሩብ ጥፍእ ኢሉ ኣሎ። ንኣስተማቓራይ ዕዮ ስነ-ጥበብ፡ “ፍራንኮ ናበይ ከይዱ” ኢሉ ንዝሓትት ንዝነበረ ህዝቢ ከኣ፡ እንሆ ምስኡ ዝገበርናዮ ጽማቝ ዕላል ነቕርበልኩም። -ከም መእተዊ ክዀነና ፍራንኮ፡ ድሕሪ ናጽነት ናበይ ኢኻ ኣቢልካ፧ ስነ-ጥበበዊ ጉዕዞኻ ኣብ ኤርትራኸ መዓስ እዩ ዝጅምር፧ ኣብ ዓዲ ጥልያን ናይ ስነ-ጥበብ ሞያ ዝነበረና ጥርኑፋት ሰባት ነይርና። ድሕሪ’ዚ፡ ናጽነት ምስ ኰነ፡ ኣብ ሓንጐልና ዝነበረ ቀዳማይ ሕቶ፡ “ናጽነትስ መጺኣ፡ እንታይ የድሊ ይኸውን ካባና” ዝብል ሕቶ መጺኡ። ድሕሪኡ ንሓድሕድና ተረዳዲእና፡ “ሃገር ብጽርግያ፡ ቢንቶ ጥራሕ ኣይኰነትን እትህነጽ። ሃገር ብስነ-ጥበብ’ውን ክትህነጽ ኣለዋ” ስለ ዝበልና፡ ናይ ክልተ ዓመት ትምህርቲ ብዛዕባ ዓውዲ ስእሊ ዝግባእ ስልጠና ብምውሳድ፡ ኩሉ ዘድሊ ዕጥቂ ተገዚኡ ብፍቓድ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሲነማቶግራፊ እንነጥፍ 9 ኣባላት ኣብ 1994 ብጥርኑፍ ናብ ሃገርና ኣቲና። ስለ’ዚ ናይ ስነ-ጥበብ ታሪኽ ጉዕዞይ ኣብ’ዚ ዝበልኩኻ ግዜ’ዩ ብወግዒ ዝጅምር። - ስም ናይታ ሽዑ ዘውጻኹማ ትካልኩም እንታይ እያ ትብል፧ እቶም ሰባት’ከ ብዓል መን እዮም ነይሮም፧ እታ ትካል ኤርትራ ቪድዮ ሰርቪስ (E.V.S) እያ ትበሃል። ከም’ዚ ዝበልኩኻ 9 ሰባት ሒዛ ተበጊሳ። ንሳቶም ድማ ፍራንኮ ሳርዴላ፡ ሃይለ ብርሃነ (ቁልቢ)፡ ግርማይ ንጉሰ፡ ሰሎሞን ኣብርሃ፡ ተመስገን ጸሃየ፡ ምስግና ተስፋይ፡ ዮዲት መስፍን፡ መስፍን ኣስመላሽ፡ በረኸት ቀለታ ኢና እንበሃል። - ሰኣላይ ክትከውን ሓሊምካ ትፈልጥ ነይርካዶ፧ ቀደም ንእሽቶይ እንከለኹ ብወግዒ ነዚ ሞያ ከይጀመርኩ፡ ኣብ ውሽጠይ ባህጊ ናይ’ዚ ሞያ ከም ዝነበረኒ እዝክር እየ። ቅድሚ ናብ ዓውዲ ስእሊ ምእታወይ ግን፡ ኣብ ዓዲ ጣልያን ኣባል ጕጅለ ባህሊ እየ ነይረ። ሙዚቀኛ ኰይነ ጊታር እየ ዝሃርም ነይረ። ኣብ’ቲ እዋን፡ እቲ ንጽንዓት ህዝብናን ቃልስናን ዝገልጽ ጐስጓሳዊ ምርኢታት ነካይድ ነይርና። ነዚ ሞያ‘ዚ ከም ዝሕዝ ዝገበረኒን ዝጸለወኒን ገዲም ስነ-ጥበበኛ ተኽለ ህውከት እዩ። ሓደ ካብቶም ዘኽብሮም ስነ-ጥበበኛታት ሃገርና ድማ እዩ። ንሕና ኣብ ቦሎኛን ካልእን ምርኢት ኣብ ንገብረሉ ዝነበርና ብዓል ‘ቁልቢ’ ኣባላት ስነዳ ኰይኖም፡ ነቲ ንሕናን ህዝቢ ዝገብሮ ዝነበረ ንጥፈታትን እዮም ዝስእሉ ነይሮም። ድሕሪ ናጽነት ፈለማ ናብ ኤርትራ ክንመጽእ እንከለና፡ እቲ ኣብ ውሽጥና ዝነበረ ሓሳብና’ውን እኮ፡ “ኣብ ኤርትራ ብዙሓት ማእለያ ዘይብሎም ካብ ሜዳ ዝመጽኡን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝጸንሑን ሙዚቀኛታትን ደረፍትን ኣለውዎም። ንሕና ግን፡ ኣብ ከምኡ ዘይኰነ ክንነጥፍ ዘለና ካልእ ናይ ስነ-ጥበብ ስራሕን ፕሮጀክትን ዘይንገብር” ዝብል እዩ ነይሩ ጥሙሕና። - ቀንዲ ዕላማኹም እንታይ ድዩ ነይሩ፧ እቲ ቀንዲ ኣብ ርእስና ዝነበረ ዓቢ ራኢ፡ “ኤርትራስ ብዓይኒ ኤርትራውያን ምስ ዓለም ብፊልም ክትላለ ኣለዋ” ዝብል እዩ ነይሩ። ስለዚ እየ ድማ፡ ሙዚቃ ገዲፈ ናብ ዓውዲ ስእሊ ኣላጊሰ። - ኣብ ውሽጥኻ ፍቕሪ ናይ ስእሊ ነይሩካ’ዩ ማለት እዩ፧ እወ። ቀደም ኣብ ዓዲ ጥልያን ተመሃራይ ኣብ ዝነበርኩሉ፡ ካሜራ ክቡራት እንከለዋ ኣቦይ ገዚኡለይ። ኣቦይ ፍቕሪ ናይ ካሜራ ከም ዝነበረኒ ስለ ዘለለየ’ዩ መስለኒ ዓዲጉለይ። ኣብ 1980 ናተይ ካሜራ ነይራትኒ። እቲ ሽዑ ዝተመሃርኩዎን ዝጥቀመሉን ዝነበርኩ ኣሰኣእላን ትምህርትን፡ ምስ ናይ ሕጂ ምዕባለ ፍልልዩ ሰማይን መሬትን እዩ። እቲ ሲነማቶግራፊ ናይ ፊልምታት ዝምህሩኻ ኣገባብን ምስ ናይ ኣብ ገዛኻ መዘከርታ እትስእሎን ነንበይኑ እዩ። ስለ’ዚ እቲ ዘይርድኦ ውሽጠይ ዘመንጨዎ ፍቕሪ ስእሊ ሓደ ዓቢ ስራሕ ንኽሰርሕ ራእይ ነይሩኒ እዩ ክብለካ ዝኽእል። ስለ’ዚ እታ ዓንተቦይ ዘልዓልካያ ሕቶ መሊሰልካ ክኸውን ተስፋ እገብር። - ናብ ስእሊ ንኽትኣቱ ዝገብረካ ቀንዲ ድፍኢት ወይ ረቛሒ እንታይ እዩ፧ ብንኣሽቱና ኣብ ኣስመራ እንከለና ይዝከረኒ፡ እታ ሓንቲ ዝነበረት ልምዲ ኣብ ሲነማታት ከይድካ ፊልምታት ምዕዛብ እያ። ሰንበት-ሰንበት ኣብ ሲነማታት ሮማ፡ ካፒቶል፡ ኢምፔሮ፡ ... ከይድና ንርኢ። ሕጂ እቲ ፊልምታት ርኢኻ ትም ንምባል ዘይኰነ፡ ሰሙን ምሉእ ኢኻ ንደቂ-ገዛውትኻ ብዛዕባ’ታ ፊልም ተዕልሎምን ትነግሮምን። ብፍላይ ናይ ጥልያን ፊልም እንተ ዀይኑ፡ ምስ’ቲ ናይ ጥልያን ቋንቋ ዝኽእሎ ዝነበርኩ ምስ ተግባራቱ (ኣክሽኑ) ተርእዮም ትንግሮምን። ፍቕሪ ናይ ፊልም ብናኣሽቱና እዩ ምሳና ዓብዩ። ምኽንያቱ፡ ብፊልም ትመሃር፡ ትዘናጋዕ፡ ትስሕቕን ትበኪን። እቲ ናብ ፊልም ገጸይ ክኣቱ ዝደረኸኒ ምኽንያታት እዚ እዩ መስለኒ። - ትካልኩም E.V.S ብዙሕ ስራሓት እዩ ዓሚሙ’ሞ፡ እስከ ንኣጀማምራኹም ከመይ ትዝክሮ፧ ፈለማ ብኸመይ ኢኹም ጀሚርኩም፧ እንታይ ኢኹም ገይርኩም፧ ቤታካም ዝበሃላ ምዕቡላት ካሜራ ተገዚአን። “ነቲ ስራሕ ባዕልና ስኢልና ኤዲት ገይርና፡ ብቪድዮ ፕሮጀክተር ገይርና ኣብ ሲነማታት ከነርእዮ ክንፍትን ኣለና” ብምባል ኢና ጀሚርናዮ። እዚ ፈለማ ንሕና ዘተእታተናዮ እዩ ክብለካ’ውን እኽእል እየ። ብኸምኡ ድማ ከነርኢ ጀሚርና። - እታ ኣብ ኤርትራ ፈለማ ዝሰኣልኩማ ፊልም እንታይ ነይራ፧ ባሩድ -77 እያ ትብል ነይራ። ብቪድዮ ተሰሪሓ ምስ ተወደአት ድማ፡ ንመጀመርታ ግዜ ህዝቢ ኣብ ሲነማታት ኣትዩ ዝረኣያ ፊልም እያ። - ስእሊ መዓስን ብኸመይን ኢኻ ጀሚርካዮ፧ ናብ ዓዲ ጥልያን ምስ ከድኩ፡ ከም’ቲ ኣቐዲመ ዘዕለልኩኻ ኣብ 1980 ቪድዮ ካሜራ ተዓዲጉለይ። ነዛ ካሜራ ኣብ ናይ ምትእኽኻብን ምዝንጋዕን ናይ ስድራቤት፡ ጥምቀት፡ ምኽባር ዕለተ ልደት ኰታ ኣብ ዝዀነ ናይ ስድራ ኣጋጣሚታት እስእለላ ነይ ረ ። - ስምዒታትካ ኣብ ምንባብ፡ ኣቦኻ ዝነበሮ ተራ ክትገልጸልና፧ ኣቦይ ካብ ኣልዓልካዮ ኣዝዩ ፍሉይ ሰብ እዩ ነይሩ። ሳርዴላ ኢናጂዮ እዩ ዝበሃል። ኣብ 2ይ ውግእ ዓለም ዝተሳተፈ ሰብ እዩ። ኣነ ክውለድ እንከለኹ፡ ወዲ 68 ዓመት እዩ ነይሩ፡ ኣደይ ከኣ ጓል 18 ዓመት ነይራ። ንዓይ ከም ኣቦን ኣቦሓጐይን እዩ ነይሩ። ፍሉይ ፍቕሪ ነይሩዎ፡ ብሕንቃቐ’ዩ የዕብዩኒ ክብለካ እኽእል። ኣደይ’ውን ከምኡ። ከም ቈልዓ ኣደይ ክትሃርመኒ ምስ እትደሊ ኣቦይ ይዘርየለይ ነይሩ (ሰሓቕ)። - ናይ ፈለማ ተመኩሮ ስእልኻ ትዝክራዶ፣ እንታይ እያ ነይራ ከተዕልለኒ፧ ኣብ ቮሮና እትበሃል ከተማ ብዕንባባታት ዘጌጸ ቦታ እዩ ነይሩ። ፓርክ እዩ። ናብ’ቲ ቦታ ምስ ስድራይ ምስ ከድና ተመሲጠ ዝሰኣልኩዎ ስእሊ እዩ ነይሩ። እቲ ዕንባባታትን ሰሓቢ ቅርጺ ናይ’ቲ ቦታን ደስ ስለ ዝበለኒ ዝሰኣልኩዎ ስእልታት እዩ ነይሩ። ተዘዋዊረ ስኢለ ምስ ወዳእኩ ንስድራይ ምስ ኣርኣኹዎም፡ ናይ ብሓቂ ተሓጒሶም ኣድኒቖምኒ። “ከማኻ ሰኣላይ የለን። ልክዕ ከምዞም ናይ ቴለቪዥን ሰኣልቲ ኣምሲልካዮ” ክብሉኒ ጀሚሮም። ኣብቲ እዋን’ቲ ወዲ 18 ዓመት እየ ነይረ። እዚ፡ እቲ ናይ ፈለማ ተመኩሮ ስእለይ እዩ ነይሩ። እዚ ድማ ልዑል ምትብባዕ ኣሕዲሩለይ። - ሳርዴላ፡ ምኩር ሰኣላይ ከም ምዃንካ መጠን፡ ዝሰኣልካየን ፊልምታት ሃገርና ብዓል መን እየን፧ ክንደይ’ሞ ክበሃል’ዩ ልዕሊ 100 ፊልምታት ስኢለ እየ። ሕጂ ክዝክረን ኣይክእልን እየ። ካብ ዓዲ ጣልያን ምጽእ ምስ በልና ዝሰኣልናያ ስራሕ ፊልም ኣይኰነትን ነይራ። “ወግዒ ሱሳታት” እትብል ናይ መምህር ሰሎሞን ኮሜድያዊት ስራሕ’ያ ነይራ። ንዓኣ መበገሲ ብምግባር ድማ፡ ብቪድዮ ካሴት ተሓቲሙ ኣብ ምሉእ ዓለም ተሸይጡ ማለት እዩ። እቲ ስራሕ ብዙሕ ጽቡቕ ዝዀነ ግብረ መልሲታት ረኺቡ። ደሓር “እዚ ከነማዕብሎ ኣለና፡ ናብ ፊልም ገጽና ክንከይድ ኣለና” ተባሂሉ። “ደሓን ኩኒ እንዳፍራስ” እትብል ድርሰት ኣብ ኢደይ መጺኣ። ነታ ድርሰት ኣንብባ ምስ ተባሃልኩ፡ ናብ ሽንቲ ቤት ክሸይን ምስ ከድኩ ጀሚረያስ ከይተረደኣኒ፡ ኣብታ ሽንቲ ቤት ኣንቢበ ወዲአያ። ሽዓ ኣብኣ እንከለኹ፡ “እዚኣስ ክትስራሕ ኣለዋ” ዝብል መንፈስ ረቢሹኒ። እቲ ውሳነ ኣብ ሽንቲ ቤት ዝተወስደ ውሳነ እዩ። ብድሕሪ’ዚ ምስቶም ብጾተይ ኰይንና ምስ ተዘራረብና፡ “ያላ ትሰራሕ” ዝብል ናይ ነፍሲ- ወከፍ መንፈስ መጺኡ። “ብኸመይ’ሞ ትሰራሕ ገንዘብ ከድሊ እዩ። ዋላ ገንዘብ ካብ ገለ ክንደሊ ኢና” ተባሂሉ፡ ምስቶም ተዋሳእቲ ተራኺብና። እቲ ገንዘብ ክንደይ ከም ዘድሊ ተረዳዲእና። መዋሊ ናይቲ ገንዘብ ማለት ኣፍራዪ (ፕሮዲሰር) ክርክብ ከም ዘለዎ። “እቲ ዝወሃበና ባጀት ንመስርሒ ናይታ ፊልም ይኸውን። ኩሉ ሰብ ድማ፡ እቲ ስራሕ ምስ ተወደአ ይኽፈል” ዝብል ርድኢት ሒዝና ተበጊስና። ኣብቲ እዋን’ቲ ፊልም ሰሪሕካ ክትዝርግሖ ዝኣምነካ ሰብ’ውን ኣይነበረን። ዝረኸበካ ሰብ፡ “ንስኹምስ ብኸመይ ዓቕሚን፡ ኣገባብን ኢኹም ፊልም ዝኣክል ክትሰርሑ” እዩ ዝበለካ። - ስለምንታይ እዩ ሰብ ከምኡ ዝብል ነይሩ ኣብቲ እዋን፧ ኣብቲ እዋን ምስራሕ ፊልም ልሙድ ስለ ዘይነበረ፡ ብዓብይኡ’ውን እታ ስራሕ ናይ ውግእን ምቕታልን ነገራት ስለ ዝነበራ ዘይሕኰር እምባ ኰይኑ እዩ ዝስምዖ ነይሩ። እቲ ታሪኽ ወይ ዛንታ ናይ’ቲ ፊልም ንመግዛእቲ ስርዓት ደርግ ዝገልጽ’ዩ ነይሩ። - እሞ እንታይ ደኣ ገበርኩም፧ “ትም ኢልኩም ጥራሕ ስርሑ፡ ንዝዀነ ሰብ ኣይትስምዑ” ተባሂሉ ተሰሪሓ። ምስ ተወደአት፡ መመረቕታ ገይርናላ። ኣብ ካዛ ዴልኢታልያኖ ንኹሎም ላዕለዎት ሰበ- ስልጣን ሚኒስተራት ሃገርና ዓዲምናዮም። ቅድሚ ዝዀነ ሓፋሽ ምስ ረኣዩዋ፡ ኣዝዮም ተደኒቖም። “እዚስ ብዘይ ሓገዝ ናይ መንግስቲ ሰሪሕኩሞ፡ መንግስቲ እንተ ዝሕግዘኩም ደኣ እንታይ ዓይነት ስራሕ ምሰራሕኩም ማለት እዩ” ተባሂልና። ብድሕሪ’ዚ ኣብ ዝኽርን ቅንያትን ስርሒት ፈንቅል ንመጀመታ እዋን፡ ብፕሮጀክተር ከነርእያ ተባሂሉ ናብ ባጽዕ ከይድና። - ሃየ! “ናይ ደረፍቲ ፕሮግራም እናሃለወ ደኣ ንዓና ፊልም መን ክርእየልና” ኢልና ዝተሰከፍና፡ ህዝቢ ባጽዕ ግምጥል ኢሉ ነታ ፊልም ክርኢ መጺኡ። ባሩድ - 77 ንመጀመርታ እዋን ዝተረኣየትላ ግዜ ማለት እዩ። ኣነ ብሓጐስ ንብዓት ብንብዓት ኰይነ። ከምቲ ዝበልኩኻ መጽሓፍ “ደሓን ኵኒ እንዳፍራስ” እያ ነይራ እታ ድርሰት፡ ባሩድ-77 ብተመስገን ትኩእ ተጻሒፋ ናብ ፊልም ዝረዓመት እያ። ኣብቲ መጽሓፍ ዘየለ’ውን፡ ብዙሕ ነገራት ወሲኽናሉ ኢና። እዚ ርዱእ ነገር እዩ። ነቲ ህዝቢ ናብቲ ዝነበረ መሪር እዋን ክትመልሶ እንተ ዄንካ ከኣ፡ በቲ ልክዕ ስእሊ ክትህቦ ኣለካ። #Eritrea ይቕጽል..
39
49
1,290
Proud Eritrewit retweeted
This says a lot about which country has been committed to weaken and fragment its neighbour since the 1940.
On June 13, 1946, then British Foreign Secretary, Ernest Bevin, met his Ethiopian counterpart, Aklilu Habtewold, and Bevin suggested that Ethiopia and Britain should take a common stand to thwart the possibility of Italy’s return to the region in any capacity. He then presented the British plan for a Greater Somalia and the partition of Eritrea as the ultimate solution for the threat posed by Italy. Aklilu was quick to point out that any talk of excising the Ogaden from Ethiopia was offensive to his country. Instead, he proposed that Eritrea and the ancient port of Zeila in the north-western Adal region of Somalia be ceded to Ethiopia. Ethiopia would then be willing to agree to a British takeover of pastureland adjacent to British Somaliland for the Greater Somalia project. The meeting ended inconclusively with Bevin pointing out that the issue would finally be settled by the United Nations. On May 9, 1949 Bevin and his Italian counterpart, Count Carlo Sforza presented a plan to the UNGA that included the partition of Eritrea. The plan was rejected by the UNGA. Ethiopia, which advocated that Eritrea was "Ethiopia's lost child" supported the partition of Eritrea.
26
32
612
ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ብመንጽር ሰነዳት ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኽ ዓለምና፡ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ጎረቤት ሃገር ኣፍልጦ ዝህብ፡ ብብዝሒ ወግዓዊ ሰነዳት ዝፈረመት እንተላ ኢትዮጵያ ክትከውን ትኽእል’ያ - ዝያዳ መጽናዕቲ ይሓትት። ገዛእቲ ኢትዮጵያ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ብምቕባል ካብ ዝፈረሙዎ ሰነዳትን ዘሕለፉዎ ውሳነታትን ዝሃቡዎ መግለጺታትን እስከ ፍሩይ ኣብነታት ክንጠቅስ፥ 1) ኤርትራ ከም ሃገር ቅድሚ ምቛማ፡ ወደብ ባጽዕ ኣብ ትሕቲ ግብጺ እንከላ፡ ንጉስ ኣቢሲንያ ሃጸይ ዮሃንስ 4ይ፣ ንግዳዊ ኣቚሕን ኣጽዋርን ብወደብ ባጽዕ ከእቱ፡ ምስ ብሪጣንያ ብ3 ሰነ 1884፡ ‘ውዕል ሀወት’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ሰነድ ፈሪሙ። ባጽዕ ናይ ኣቢሲንያ ከምዘይኮነት ዘመልክት ሰነድ። 2) ብ25 መጋቢት 1889 ሃጸይ ምነሊክ ንጉሰ ነገስት ኣቢሲንያ ምዃኑ ኣዊጁ። ድሕሪ ወርሕን ሰሙንን ብ2 ግንቦት 1889 ከኣ፡ ከበሳን ገማግም ባሕርን ናይ ሎሚ ኤርትራ፡ ግዝኣት ኢጣልያ ምዃኑ ብምቕባል “ውዕል ውጫለ” ከቲሙ። 3) 26 ጥቅምቲ 1996 - ድሕሪ ውግእ ዓድዋ፥ ምነሊክ ክንዮ መረብ-በለሳ-ሙና ዘሎ መሬትን ባሕርን ናይ ሎሚ ኤርትራ፡ ግዝኣት ኢጣልያ ምዃኑ ዝቕበል ንውዕል ውጫለ ዝተክአ “ውዕል ኣዲስ ኣበባ” ፈሪሙ። 4) 10 ሓምለ 1900፥ መረብ-በለሳ- ሙና ዶብ ኢጣልያዊ ግዝኣት ኤርትራን ኣቢሲንያን ምዃኑ ዘነጽር ካልኣይ ሰነድ ተፈሪሙ። 5) 15 ግንቦት 1902፥ ኣብ መንጎ’ታ ግዝኣት ብሪጣንያ ዝነበረት ሱዳን፡ ግዝኣት ጣልያን ኤርትራን ግዝኣት ምነሊክ ኣቢሲንያን ዘሎ ዶባት (ዶባት ምዕራብ ኤርትራ) ዘነጽር ውዕል ተፈሪሙ። 6) 16 ግንቦት 1908፥ ብምብራቕ ኣብ መንጽር ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዘሎ ነዊሕ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክሳብ ግዝኣት ፈረንሳዊት ሶማሊላንድ (ጅቡቲ) ዘነጽር ሰነድ፡ ኣብ መንጎ ምነሊክን ጣልያንን ተፈሪሙ። 7) 2 ታሕሳስ 1952፥ ሕቡራት ሃገራት ብውሳነ 390 (A)V ኤርትራ ብፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ክትቁረን ወሲኑ። እዚ ውሳነ’ዚ፡ እቲ ፍሉጥ ኣህጉራዊ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምዘለዎ ዕቁብ ምዃኑ ዘነጽር ኮይኑ፡ ኢትዮጵያ ተቐቢላ ፈሪማትሉ። 8) 11 ነሓሰ 1952፥ ሃጸይ ሃይለስላሰ ብባይቶ ኤርትራ ዝጸደቐ ህንጻ መንግስቲ (ቅዋም) ኤርትራ ብወግዒ ተቐቢሉ ፈሪሙሉ። እቲ ቅዋም፡ ኤርትራ ነቲ ብመግዛእቲ ዝተሓንጸጸ ዶባታ ሓልያ ፡ ምስ ኢትዮጵያ ብውዕል ፈደረሽን እትነባበር፡ ርእሰ ምምሕዳራዊት ኣካል ምዃና ዘነጽር እዩ። 9) 14 ሕዳር 1962፥ ባይቶ ኤርትራ ንፈደረሽን ከፍርሶ ድሕሪ ምስግዳዱ፡ ሃጸይ ሃይለስላሰ፡ እታ ግዝኣት ጣልያን ዝነበረት ኤርትራ፡ መበል 14 ክፍለ ሃገር ኢትዮጵያ ክትከውን ወሲኑ። ዶባታ ግን ከይተተንከፈ ከምዘለዎ ተዓቂቡ ከምዝቕጽል ገይሩ። 10) 16 ግንቦት 1976፥ ስርዓት ደርግ፡ ኤርትራ እቲ ፍሉጥ መግዛእታዊ ዶባታ ተሓልዩ፡ መሰል ርእሰ ምምሕዳር ክወሃባ (ራስ ገዝ) 9 ነጥቢታት ዝሓዘ፡ ብሰውራ ኤርትራ ተቐባልነት ዘይረኸበ እማመ ሰላም ኣቕሪቡ። 11) 27 ሚያዝያ 1993፥ ውጽኢት ረፈረንዱም ምስ ተኣወጀ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ረፈረንደም ቅኑዕን ፍትሓዊን ምዃኑ ብምእማን ከምዝቕበሎ ኣፍሊጡ። 12) 4 ግንቦት 1993፥ መሰጋገሪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ፡ ብመሰረት ፍሉጥ ኣህጉራዊ ዶባታ፡ ኣፍልጦ ከም ዝህቦ ወግዓዊ መግለጺ ኣውጺኡ። 13) 30 ሓምለ 1993፥ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን መሰጋገሪ መንግስቲ ኢትዮጵያን ስምምዕ ሰላምን ምትሕብባርን ኣዲስ ኣበባ ተፈሪሙ። እቲ ስምምዕ፡ ኣብ መንጎ ክልተ ልኡላውያን ሃገራት ዝተፈጸመ ኮይኑ፡ ኢትዮጵያ ናጻ ተጠቃሚት ወደባት ባጽዕን ዓሰብን ክትከውን ዘፍቅድ ነበረ። 14) 12 ታሕሳስ 2000፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብመሰረት መግዛእታዊ ውዕላት 1900፣ 1902፣ 1908፣ ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን ክወሃቦን ዳግም ክሕንጸጽን ክምልከትን፡ ስምምዕ ኣልጀርስ ፈሪሙ። 15) 13 ሚያዝያ 2002፥ ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብይኑ ሂቡ። ብኡ ንብኡ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ሃገሩ ከም ዝተዓወተተን ነቲ ብይን ብሓጎስ ከም እትቕበሎን ብማዕከናት ዜና ሃገሩ ንህዝቢ ኢትዮጵያን ዓለምን ኣፍሊጡ። 16) 4 ሕዳር 2004፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንብይን ኮምሽን ዶብ ነጺጉዎ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ነቲ ውሳነ ብመትከል ከም እተቐበሎ ብወግዒ ኣፍሊጡ፣ ትግባረኡ ንምስላጥ ድማ ብዓል 5 ነጥቢ እማመ ኣቕሪቡ። 17) ሕዳር 2007፥ ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ነቲ ልዕሊ 1000 ኪ.ሜ. ዝንውሓቱ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብማንዛ ምምልካት፡ ብጂኦግራፊያዊ መራኸቢ ነጥቢታት (Coo­ordinates) እንተላይ ኣዕኑድ ዝትከለሉ ደቂቕ ዝርዝራት ኣነጺሩ 45 ካርታታት ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣረኪቡዎ። ንመንግስቲ ኤርትራን ሕቡራት ሃገራትን እውን ብተመሳሳሊ። 18) 9 ሓምለ 2018፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኢትዮጵያ ንውዕል ኣልጀርስ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ከም እትቐበሎ ዘነጽር “ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ኣስመራ” ከቲሙ። 19) 16 መስከረም 2018፥ እቲ ኣብ ኣስመራ ዝተፈረመ ስምምዕ ኣህጉራዊ ሚዛን ንክህልዎ እንደገና ኣብ ስዑዲ ዓረብ፡ ንጉስ ቢን ዓብደልዓዚዝን ወራስ ዓራት መሓመድ ቢን ሳልማንን፡ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝን ዋና ጸሓፊ ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂን፡ ከምኡ’ውን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሸኽ ዓብዱላሂ ቢን ዛይድ ኣናህያን ኣብ ዝተረኽብሉ ዳግም ተፈሪሙ። 20) 2 ሕዳር 2022፥ ውዕል ፕሪቶርያ፡ ዓንቀጽ 8፡ ኣብ ኣህጉራዊ ዶብ ሰራዊት ናይ ምስፋርን ዶብ ናይ ምሕላውን ሓላፍነት ዘለዎ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ጥራይ ምዃኑ ኣነጺሩ። እዚ ዓንቀጽ’ዚ ኣብቲ ውዕል ዝኣተወሉ ምኽንያት፡ ውዕል ኣልጀርስ ተፈጻምነት ንክህልዎን ህወሓት ንኸይዕንቅጽን ተባሂሉ እዩ። ካልእ ዝርዝራት እውን ምውሳኽ ምተኻእለ። ኩሉ’ዚ ሰነዳት’ዚ ኣብ ከብሒ ቤተ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ኩሉ ህዝባዊ መወከሲታትን ዝርከብ እዩ። ገዛእቲ ኢትዮጵያ እምበኣር፡ ንልዕሊ 100 ዓመት ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ዝቕበል ብዙሕ ሰነዳት እናፈረሙ እዮም መጺኦም። እቲ ጸገም ዝፈረሙዎ ዘየኸብሩን ተተመሊሶም ዝኽሕዱን ምዃኖም እዩ። ቦርድ ክፍሊ ጋዜጣ
259
5
251
4,313
Don’t tell me #Ethiopia has Su-35 fighter jets or anything else! 😂 Just watch @AbiyAhmedAli's facial expression as President Sisi delivers a direct diplomatic blow without hesitation! 😂 Sisi declares, **“We will not allow the imposition of any military presence by non-Red Sea coastal states.”** Now look at Abiy Ahmed’s reaction! 😂 That message seems to be aimed straight at him and his ambitions in the Red Sea. No names needed the message speaks for itself! 🎯 #Eritrea
36
85
4
267
53,316
Proud Eritrewit retweeted
At the Russia-Africa Summit, African leaders are smiling, laughing, and enjoying the photo op. Then there’s Abiy Ahmed, looking like someone just confiscated his teleprompter. 😂 Last time he tried an unscripted moment with Lavrov, he delivered the bizarre line that the Russian foreign minister’s age had been “discounted” by seven years. Whatever that was supposed to mean, it sounded creepy. 🤦‍♂️ Lesson learned: no teleprompter, no jokes, no spontaneous English. While everyone else is laughing, Abiy bows his head and waits for the camera to click. 𝐖𝐡𝐞𝐧 𝐲𝐨𝐮𝐫 𝐛𝐢𝐠𝐠𝐞𝐬𝐭 𝐟𝐞𝐚𝐫 𝐚𝐭 𝐚𝐧 𝐢𝐧𝐭𝐞𝐫𝐧𝐚𝐭𝐢𝐨𝐧𝐚𝐥 𝐬𝐮𝐦𝐦𝐢𝐭 𝐢𝐬𝐧’𝐭 𝐠𝐞𝐨𝐩𝐨𝐥𝐢𝐭𝐢𝐜𝐬, 𝐛𝐮𝐭 𝐠𝐞𝐭𝐭𝐢𝐧𝐠 𝐜𝐚𝐮𝐠𝐡𝐭 𝐬𝐩𝐞𝐚𝐤𝐢𝐧𝐠 𝐨𝐟𝐟-𝐬𝐜𝐫𝐢𝐩𝐭! 😂
16
99
4
143
4,646
Proud Eritrewit retweeted
While marketed as unifying philosophy of synergy, @AbiyAhmedAli ’s Medemer has yielded domestic conflict & executive coercion,making its export abroad less a philosophical breakthrough than a transactional tool for political survival.#Russia #Ethiopia 👇👉 m.facebook.com/story.php?sto…
2
146
122
611
Proud Eritrewit retweeted
🍔 Marathon Burger lands at LAX! Officially opened with Mayor Karen Bass, z launch marks a powerful homecoming for Samiel and his late brother Nipsey Hussle honoring their Eritrean-American roots, family legacy,& z #Eritrea|n spirit of Bideho. 🏁🇪🇷✈️ 👇👉 m.facebook.com/story.php?sto…
1
137
140
735
Proud Eritrewit retweeted
History: Back then still Isaias Afwerki (deputy commander, EPLF) – interview. The video is from 29 November 1984.#Eritrea
2
23
50
2,867
Sputnik Africa interview with President Isaias In an interview with Sputnik Africa, President Isaias Afwerki stressed that respect for sovereignty and territorial integrity is a fundamental pillar of international law and the global order. In the interview, which focused on relations between Eritrea and Russia, regional and global developments, Russia’s relations with African countries, and global challenges hindering strategic partnership, President Isaias said that partnership cannot be nurtured unless independence, sovereignty and territorial integrity are respected. President Isaias said that enhancing strategic partnership requires, first and foremost, addressing global obstacles, particularly those related to the global financial system. Otherwise, discussions on trade, investment and economic cooperation would be meaningless. President Isaias also stressed that conflicts, tensions, political pressure, sanctions and policy limitations are obstacles to strategic partnership and must be addressed beforehand. Meanwhile, the Third Russia-Africa Summit, which President Isaias Afwerki attended, concluded. At the Summit, held at the Kremlin Palace under the theme “For Peace, Security and Development,” discussions focused on Russia-Africa cooperation in the areas of economy, investment, trade, energy, food security, agriculture and security. The two-day Summit was attended by Heads of State and Government from over 50 countries. #Eritrea
143
3
162
4,353
Proud Eritrewit retweeted
Shouldn’t Putin send a heartfelt thank-you card to #Ireland, #Italy, #Norway, #Sweden, #Germany, and the rest of the EU for so generously helping fund Ethiopia’s new fighter jets with European taxpayers’ aid money?
Ireland gave €7 Million to Ethiopia. What a waste of Irish taxpayers money The Prime Minster of Ethiopia "I would like to express my gratitude to my friend, Russian President Vladimir Putin, for his dedication in ensuring we received these warplanes a year ahead of schedule"
11
70
107
3,080
Proud Eritrewit retweeted
From Asmara 1984 to Su-35s & S-400s today, #Ethiopia repeats the same error: buying air power to enforce hegemony instead of building legitimacy. Hardware alone has never bought lasting cohesion, equitable representation & genuine reconciliation. Read 👇👉 m.facebook.com/story.php?sto…
1
103
95
564
Proud Eritrewit retweeted
European aid was meant to help Ethiopia’s poor, yet somehow, it appears to be helping fund the war in Ukraine instead.
4
112
7
103
2,373
Proud Eritrewit retweeted
❗️Hypocracy at its finest The regime in Addis Ababa kept complaining about the “militarization” of East Africa. And yet, it has just spend 8 billion dollars of “AID MONEY” to go out for a shopping spree in Moscow. For what purpose? to just threaten its neighbors. Welcome to #Ethiopia’s deceptive politics. @antonioguterres @EUSR_Weber @StateDept @SecRubio @WhiteHouse @MFAEgOfficial @MFA_China
6
267
5
233
2,076
Proud Eritrewit retweeted
Welcome to #PP led #Ethiopia, where millions are denied food, clean water, electricity, healthcare, and education, while billions are reportedly being poured into #Russian Su-35 fighter jets and S-400 air-defence systems. A government failing to secure the basic needs of its own people is finding resources to expand its military arsenal and project destabilizing inside Ethiopia and beyond its borders. Instead of investing in human survival, it is fueling militarization, deepening insecurity, and threatening the stability of the entire #HornofAfrica. A nation in crisis does not need more weapons and regional confrontation; it needs responsible leadership, accountability, and investment in its people. #Eritrea #Sudan #Somalia #Russia #China #US #Ireland
1
443
11
381
3,125
Proud Eritrewit retweeted
#Eritrea Was The Only Stable Before @USAfricaCommand Magazine Said So: Mesob said it in Jan 2025; ADF said it in Oct 2026: Eritrea is one of the region's only stable states. The test now isn't recognition, but respect for its sovereignty. Read more 👇👇👉 mesobjournal.com/post/eritre…
5
212
4
206
1,004
A handshake between President Isaias Afwerki of Eritrea 🇪🇷 and President Teodoro Obiang Nguema Mbasogo of Equatorial Guinea 🇬🇶 at the Russia–Africa Summit. #Eritrea #Africa #RussiaAfricaSummit
18
96
1
169
5,026
Meeting on educational program for 2026/2027 The Ministry of Education branch in the Northern Red Sea Region conducted a meeting on 26 and 27 October to review the implementation of programs during the 2025/2026 academic year and discuss the planned program for the 2026/2027 academic year. Representatives of relevant partner institutions participated in the meeting. Mr. Reshid Mohammed-Osman, head of the education office in the region, said that efforts to expand educational services across the region, taking into account the overall condition of the region, are yielding promising results. According to the report presented at the meeting, over 85,000 students received educational services at about 829 schools during the 2025/2026 academic year, and 225 pre-schools were established with the participation of the community and members of the Defense Forces. The report also called for active participation by the community, school communities and administrations at all levels to increase female students’ school enrollment. The participants conducted extensive discussions on the report and adopted various recommendations, including organizing capacity-building training for teachers and addressing shortages of school materials. Noting that the region’s size and terrain require substantial investment in the expansion of educational facilities, Ms. Asmeret Abraha, Governor of the region, commended the efforts being made by teachers, educational institutions, administrations and members of the Defense Forces in this regard. Dr. Halima Mohammed of the Ministry of Education also provided a briefing on the Ministry’s future programs. #Eritrea
102
114
1,511